Loading the player...

New Eritrean Music - Bereket Mesele - Mstesemamana/ምስተሰማማዕና official Video 2019

  • ምስተሰማማዕና...
    ደሃይኩም ይጥዓም፡ ወገነይ ከመይ ኣለኹም
    ደሃይኩም ይጥዓም፡ ኣሕዋተይ ኣበይ ኣለኹም
    ደሃይ ሃቡና፡ ሽዓ ኢልኩም ደሃይ ግበሩ
    ክርእዮ ብሂገ፡ ህዝበይ ተጠማሚሩ
    ክርእዮ ብሂገ፡ ህዝበይ ተኸባቢሩ
    ደሃይ ሃቡና፡ እቲ ጥዑም ደሃይ
    ራህዋ ዘልኣለም፡ መታን ክደሃይ
    ከምቲ ምውዳቕ ’ውን፡ ትንሳኤ እኮ ’ሎ
    ብድድ ንበልየ፡ ምትንሳእ ንኽኣሎ
    ጻጸ ’ኳ ዝስከም፡ ልዕሊ ሚዛኑ
    ከመይ ደኣ፧ ሰባት ዘየመዛዝኑ
    ንጸዋወር፡ ከም ጹረት ምድሪ
    ህይወት ጽባሕና፡ ክዕምብብ ክፈሪ
    ከምታ ተኽሊ፡ ወሰን ባሕሪ
    ፍቕሪ ከይዓርቕ፡ ልብና ነልብሶ
    ሕቶ ህላዌና፡ ሎሚ ንመልሶ
    እዛ ዓለም! ኣብ ቀርና ተበጺሓ እንከላ
    ስለ ምንታይ ንሕና ጭራ ንዀነላ፧
    ስምዕዋ ስምዕዋ
    ንሳ ትብሎ ኣለዋ
    ስምዑና ስምዕዎም
    ዝብሉና ኣለዎም
    ከምኣቶም ምስኣቶም
    ከማና ንሳቶም
    ምስተሰማማዕና
    ዓለም ትሰምዓና!
    ሃገር ማለት...
    ህዝቢ ´ዩ ቐለማ
    ሓድነት ´ዩ ሕብራ
    ሰላም ´ዩ መዝሙራ
    ስኒት ´ዩ ባንዴራ
    ከምታ ንምነያ ክትከውን ኤርትራ።
    ድምጻዊ በረኸት መሰለ ኣብ መዓስከር ሕጻጽ ኣብቲ ብሙቐትን ብዓሶን እትስነፈሉ መዓስከር፡ኣብኡ ብሙቐትን ጸሓይን እናተገርፈን ክራር እናገረፈን ዝነብር ንእሽተይ ቆልዓ እዩ። በረኸት ንኤርትራውያን ዘሕልፎ መልእኽቲ ኣሎኒ ኢሉ "ምስተሰማማዕና" እትብል ደርፊ ሒዙ መጺና ኣሎ።
    © 2019 Harmony Digital Studio ALL RIGHTS RESERVED.
    Subscribe & follow us:
    www.youtube.com/channel/UCsz2dltFiBMA2TXwkfFs6ig?view_as=subscriber
    www.facebook.com/dawit.kidane1

    Category : Eritrean Videos

    #new#eritrean#music#bereket#mesele#mstesemamana#ምስተሰማማዕና#official#video#2019

    0 Comments and 0 replies
arrow_drop_up